Invite friends and family to read the obituary and add memories.
We'll notify you when service details or new memories are added.
You're now following this obituary
We'll email you when there are updates.
Select your format and elements to print
ታሪክ ሂወት ወዘሮ ለተብርሃን ፍሳሃጽየን!
ወይዘሮ ለተብርሃን ፍስሃጽየን ጎይቶም ካብ ኣቡኣ ኣቶ ፍስሃጽየን ጎይቶምን ካብ ኣዲኣ ውይዘሮ ሰበነ ገብረእዝጋብሄርን ኣብ 1965 ዓ ም ኣብ ዓዲ ሓሰሮ መራጉዝ ተወልደት።
ውይዘሮ ለተብርሃን ካብ 6 የሕዋታ ንወለዳ ካላኣይት ጓሎም ነበረት።
ክሳብ እድምኣ ኣኪሉ ሓዳራ ትገብር፡ ንወልዳ ብዝንኣድ ትሕግዝ ነበረት። ኣብ 1978 ናብ ኣቶ ሃብትማርያም ኣርኣያ ኣዲ መርከጃ ተመርዕያ ን ኣብርሃም ቦክሪ ወዳ ወለደት። ብ ፍትሕ ክኣ ተፋላልዮም፡
ብ 1985 ዓም ከኣ ናብ ኣቶ ምሕረታብ ዉበ ወልደርፋኣል ዓዲ ሕይስ ተመርዕያ ብጸጋ ምሕረትኣብ ተቦኪራ፡ ንክብሮም ምሕረታብ፡ ሃና ምሕረታብ፡ ሃብትኣብ ምሕረትኣብ፡ ኣስመረት ምሕረትኣብን ወለደት።
ወዘሮ ለተብርሃን፡ ደቃን ድቂ ደቃን ዝርኣየት ብርክቲ ኣደ ነበረት። ለተብርሃን ናይ ስራሕ ሰብ፡ ጻዕራም፡ ምስ ስድርኣ ይኩን ሚስ ካልእ ሰብ ዉን ሕያወቲ ኣደ ነበረት።
ለተብርሃን ንእንዳ ሓሙኣ፡ ወለዲ ምሕረታብ ኣብ ዕብየቶም ዝተኣምነትን ዘልዓለትን ጓሎም ነበርት።
ኣብ ወርሒ 4 2022 ምስ በዓል ቤታ፡ ኣቶ ምሕረታኣብ ንምጽንባር ምስ ዝነኣሰት ጓላ፡ ኣስመረት፡ ናብ ሕቡርት ሃገራት ኣመሪካ ኣምርሐት። ኣብ ወርሒ 3_2023 ድማ ምስ በዕል ቤታን ጓላን እብ ሕ ሃ ኣ ሓቢራ ክትነብር ጀመረት።
ወዘሮ ለተብርሃን ብ ዕለት 20 ማዝያ 2026 ብዝነበራ ሕማም ምክንያት ብሞት ተፈልያትና።
ንብዓል በታ ኣቶ ምሕረትኣብን ንዝነኣሰት ጎላ ኣስመረት ምሕረትኣብን፡ ኣብዚ ዘሰንብድ ዘጋጠመ ሓዘን ዘኣተዉሉ ጊዜ ተቀማጦ Logan ይኩን Salt lake city የሕዋትና ኤርትራዉያንን ኢትዮጵዉያንን ብዝገበርክሞ ምጽንናዕን ገንዘባውዊ ድጋፍን ብጣዕሚ ነመስግን፡
የቀንየልና ሕሰም ኣይትርከቡ!
ስድራ ቤት ምሕረታብ ዉቤ ወልደርፊኤል
Visits: 15
This site is protected by reCAPTCHA and the
Google Privacy Policy and Terms of Service apply.
Service map data © OpenStreetMap contributors